ዜጋታት ካብ ዝኸፋፍሉ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ንባዕሎም ክሕልዉ ይግባእ – ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዜጋታት ካብ ዝኸፋፍሉ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ንባዕሎም ብምሕላው ኣብ ህንፀት ኢትዮጵያ ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰስትር ብመዓርግ ሚኒስትር መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ገሊፆም።

ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ብምክያድ ልዑል ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ጉድኣት ምብፅሑ ተዛሪብም።

ኢትዮጵያውያን ብህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብሓባር ተሰሊፎም ነቲ ወራር ምምካት ከምዝኸኣሉ ብምሕባር፤ “ንኢትዮጵያ ከፍርሳ ኢየ” ኢሉ ዝተልዓለ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብዝተዋደደ ወፍሪ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታት ፀፅታን ተወቒዑ ካብ ዝወረሮም ከባቢታት ከምዝወፅአ ገሊፆም።

እቲ ዓወት ብናይ ሓባር ቅልፅም ኢትዮጵያውያን ዝተረኸበ ምዃኑ ምግንዛብ ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።

ዝተረኸበ ዓወት ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ከምኡ እውን ንህንፀት ሃገር ምጥቃም ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ኣብ በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ልዝብ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

“ካብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ክሳብ ወፍሪ ህልውና ዝተርኣየ ምንባብን ውዳበን ዓቕሚ ንመሊስካ ህንፀት ምጥቃም ይግባእ” ኢሎም።

እቲ ዝተፈጠረ ዓቕሚ ድሕሪ ዓወት በቲ ኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ስራሕቲ ምውዓል ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክኸውን ከምዝግባእ እቶም መተሓባበሪ ኣብሪሆም።

ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብኸመይ ንህነፅ፣ ዝተረኸበ ቆራፅነት ኣመራርሓ ብኸመይ ነቐፅሎ፣ ብሚዲያን ኮሙዩኒኬሽንን ጥንኩር ረክብ ህዝቢን መንግስቲን ብኸመይ ይጠናኸር ዝብሉ ቀፀልቲ ስራሕቲ ተባሂሎም ዝተፈለዩ ከምዝኾኑ እውን ፀሪሖም።

ብመንግስቲ ይኹን ብውልቀ ዕቋር መሰረት ዝገበረ ሜላ ኣነባብራ ምኽታል፣ ድሕሪ ኲናት ኢኮኖሚ ምህናፅን ብኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ ምህናፅን ስራሕቲ ምጥያሽን ኩሉ ሓላፍነት ወሲዱ ክሰርሕ ከምዘለዎ ኣብቲ ዘተ ተላዒሉ ኢዩ ኢሎም።

ይኹ እምበር ሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘየሕጉሶም፣ ኢትዮጵያውያን እንትተሓባበሩ ሓደ እንትኾኑን ዘይፈትዉ ኣካላት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዕላማ እቲ ዘተ ናብ ዘይተገበአ መገዲ ብምትርጓ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናጋውሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዘተ ኢትዮጵያ ምህናፅን ምጥንካርን ኮይኑ እናሃለወ ኣብቲ ዘተ ዘይተሰናደአ ሰነድ ኣምሲሎም ብምድላው ንዘይተገበአ ፖለቲካዊ ዓላማ እናተጠቐሙ ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ዝተፈጠረ ሓድነት ፀላእቲ ብናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ንምፍራስ ዘዳለዉዎ ሽርሒ ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት ካብ ዝኸፋፍሉ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ንባዕሎም ብምሕላው ኣብ ህንፀት ኢትዮጵያ ትኹረት ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

“ኢትዮጵያ ካብ ዝኸፋፍሉ ሓሳባት ንላዕሊ ከምዝኾንና ክነርእዮም ይግባእ” ክብሉ እውን ሓቢሮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment