ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ንስራሕ ናብ ወፃኢ ንኽጓዓዙ ዝድግፍ ጉጅለ ቴክኒክ ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንስራሕ ናብ ወፃኢ ሃገራት ዝጓዓዙ ዜጋታት ብሕጋዊ መገዲ ንኽጓዓዙን ኣብ ዝበፅሑለን ሃገራት ፀገም ከየጋጥሞምን ዝሕግዝ ጉጅለ ቴክኒክ ተጣይሹ።

እቲ ጉጅለ ተመስሪቱ ዘሎ÷ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ዓዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታትን ከምኡ እውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ዓዓለም ለኸ ትካል ፍልሰተኛታትን ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ቴክኒካል ጉጅለ÷ ዜጋታት ንስራሕ ካብ ሃገር እንትወፅኡ ብሕጋዊ መገዲ ንኽወፅኡ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ንስራሕ ናብ ወፃኢ ዝጓዓዙ ዜጋታት ኣድላዪ ስልጠና ንኽረኽቡን ብዛዕባ ዝጓዓዙሉ ሃገር እኹል ሓበሬታ ረኺቦም ዝግበኦም ክፍሊት ንኽረኽቡን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ጉጅለ ቴክኒክ ንስራሕ ካብ ሃገር ዝወፅኡ ዜጋታት ዘጋጥሙዎም ፀገማት ከምዝፈትሕ እምነት ተነቢሩሉ ኣሎ።

ብፍቅርተ ከበደ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment