ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በብእዋኑ እንተበኣኣሰ ካብዝመፅአ ብኣጭበርበርቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ተጠቓላዕቲ ንዘይምዃን ዜጋታት መንነቶም ምስ ዘይፍለጡ ውልቀሰባት ብብይነመርበብ ዝገብርዎ ርክብ ጥንቃቐ ንክወስዱ ኣገልግሎት ሓበራዊ ግብረ-ሓይሊ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ግብረ-ሓይሊ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዘፍለጦ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ማሕበራዊ ምትእስሳራት ብምጥቃም ዝፍፀሙ ገበናት ምጭብርባር ብትሕዝቶ ኮነ ብኣፋፃፅማ ሜላኦም ሕልኽልኽ እናኾኑ ብምምፅኦም ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ናይቲ ጉድኣት ተጠቃላዕቲ እናገበሮም እዩ።
ነቶም ገበናት ዝፍፅምዎ ኣብ ወፃእ ዝነብሩ፣ ብናይ ቱሪስት ቪዛ ናብ ውሽጢ ዓዲ ብዝኣትዉ ዜግንት ዝተፈላላያ ሃገራት ብዘለዎም ውልቀሰባት ምዃኑ ውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።
ኢትዮጵያዊያን ብሰፊሑ ዝጥቀምሎም ማሕበራዊ ምትእስሳራት ብፍላይ ፌስቡክ፣ ኢ-ሜይል፣ ዋትስኣፕ፣ ቴሌግራም፣ ኢንስታግራም፣ ኢሞና ቫይበርን ብምጥቃም ፈታዊ መሲሉ ብምቕራብ እቲ ገበን ከምዝፍፅምዎ በቲ ዝተገበረ ክትትል ምፍላጥ ክመዝተኽኣለ ተገሊፁ።
ገበን ምጭብርባር ዝፍፅሙ ውልቀሰባት ሓሰተኛ ብዝኾኑ ትካላት ውሽጢ ዓድን ወፃእን ኣብ ዝርከቡ ሰነድ፣ ሰነዳት ትካላት ፋይናንስን ጉምሩክን፣ ናይ ትካላት መፍለይቲ ሎጎታት፣ ፊርማ ሓለፍቲ፣ መለለይ መንነትን ዝተፈላለዩ ውዕልታትን ንመጭበርበሪ ከምዝጥቀምሉ ሓቢሮም።
እቶም ውልቀሰባት ዝተፈላለዩ ሜላታት መጭበርበሪ ተጠቒሞም ምስ ኣእመኑ ክቡራት ኣቕሑ ማለት ወርቂ ሰዓት፣ ብራስሌት፣ ሓብል፣ ሽቶ፣ ጫማ፣ ቦርሳ፣ ዝተፈላለዩ ኣልባሳት፣ ስማርት ስልክታት፣ ላፕቶፕ ከምኡ ውን ገንዘብ ወፃኢ ሃገር ዝልኣኹ ብምምሳል ከምዘታልሉ ተገሊፁ።
ነዚ ድማ ሽምን ኣድራሻን ለኣኺን ተቐባልን ዝተፃሓፈሉ መዓሸጊን ከይዲ ጉምሩክ ብቪድዮ ቀሪፆም ብምልኣኽ እቲ ኣቕሓ ብወገን ተጉዓዝቲ ብዲፕሎማት፣ ጉምሩክ፣ ፖስታ ቤት፣ ዲኤች ኤል፣ ስካይ ወርልድ ወይ ውን ብካልኦት ኣማራፂታት ልኢኽናልኩም ኢና ብምባል ነቲ ኣቕሓ ዝተልኣኸሉ ክፍሊት ዝኸውን ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዝርከቡ ተሓባበርቶም ኣቢሎም ሓሰተኛ መለለይ ምንነት ተጠቒሞም ኣብ ዝተኸፈተ ቁፅሪ ሒሳብ ኣታዊ ንክገብሩ ምስ ኣእመንዎም ነቲ ኣታዊ ገንዘብ ሽዑዑ ወፃኢ ብምግባር እቲ ገበን ይፍፅምዎ ኢሉ እቲ መግለፂ።
ብጉምሩክ፣ ፖስታ ቤት፣ ዲኤች ኤል ወይ ውን ብኻልኦት ትካት ዝረተልኣኸ ኣቕሓ ወፃኢ ንምግባር ገንዘብ ኣታዊ ዝግበር ብሽም እቶም ትካላት ብዝተኸፈተ ቁፅሪ ሒሳብ ምዃኑ ምፍላጥን በዚ ዓይነት ኩነታት ዝኾነ ገንዘብ ኣታዊ ካብ ምግባር ምዕቃብ ከምዝግባእ እቲ መግለፂ ኣገንዚቡ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር እንተጋጥም ኣብ ቀረባ ንዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕጊ ሪፖርት ብምግባ ናይ ዜግነት ግቡእ ምውፃእን ባዕልኻ ካብ ጉድኣት ምክልኻል ክምዝግባእ እቲ ግብረ-ሓይሊ ኣተሓሳሲቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።