ዘ ቴሌግራፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝተሰሓሓተ ፀብፃብ ምቕራቡ ከምዝቐፀለሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘ ቴሌግራፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝተሰሓሓተ ፀብፃብ ምቕራቡ ከምዝቐፀለሉ መፃረዪ ሓበሬታ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ እዋናዊ ኩናተት ዝወፅኡ ዝተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ዘጋልፅ መፃረዪ ሓበሬታ “ፋክት ቼክ ኢትዮጵያ” ከምዝበሎ፥ ዘ ቴሌግራፍ ዝተብሃለ ናይ አንግሊዝ ጋዜጣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ናይ ምውዛዕ ፃዕሩ ኮነ ኢሉ ቀፂሉሉ ኣሎ።

እቲ ጋዜጣ “ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ረድኤት እኽሊ ናብ ኢትዮጵያ ንከይኣትው ከንገብር ኢና ክብሉ ፈኪሮም” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘውፅኦ ፅሑፍ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘይበልዎ ነገር በምጥማም ኮነ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ሓሶት ፅሑፍ ምውፅኡ ኣረጋጊፁ።

እዚ ድማ ናይ ኢትዮጵያ ገፅታን ቅዋምን ንምብልሻው ኮነ ተባሂሉ ዝካየድ ናይ ምዕራባውያን ሚዲያታት ናይ ተንኮል ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተዛረብዎ ሃገርና ኢትዮጵያ ብፍሪያት ግብሪና ንባዕላ ብምኽኣልን ስርናይ ብእኹል ብምፍራይን ካብ ልመና ስንዳይ ምውፃእ ከምዘለዋ ዘለዎም እምነት ገሊፆም እንበር፤ ካብ ወፃኢ ዝመፅእን ንዜጋታትና ዝኸውንን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣይንቕበልን ከምዘይበሉ ኣገንዚቡ።

እዚ ትኽክለኛ ፀብፃብ ብምጥማም ኢዩ ዘ ቴሌግራፍ ብፅሑፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝደሊዩ ወገናትና ድጋፍ ንከይበፅሕ ድልየት ከምዘሎ ኣምሲሉ ብሓሶት ዝፀብፀበ።

ስለዝኾነ ንጋዜጠኝነትን ሓቃዊ ፀብፃብን እንትበሃል  ቴሌግራፍ እቲ ፀብፃብ ንሓቃውነቱ እንደገና ምግምጋምን ናይ ጋዜጠኝነት ደረጅኡ ዘማልአ  ከምዝኾነ  ክሓትት ኣለዎ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment