ዘፈር ፋይናንስ ንምቅልጣፍ ዘኽእል “ኩፕ ቦት” ዝተብሃለ መተግበሪ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዘፈር ፋይናንስ ንምቅልጣፍ ዘኽእል “ኩፕ ቦት” ዝተብሃለ መተግበሪ ኣማዕቢሉ ብዕሊ ስራሕ ኣጀሚሩ።

እቲ መተግበሪ ምስ ሕብረት ስራሕ ባንኪ ኦሮሚያ ብሓባር ንምስራሕ ብዝተገበረ ስምምዕነት ዝማዕበለ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

“ኩፕ ቦት”፥ ሰባት ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ዝደልዩዎ ሓበሬታን ኣገልግሎት ንኽረኽቡን ንምግባር ተሓሲቡ ዝማዕበለ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ዓማዊል ምንቅስቓስ ሒሳቦም፣ ሓደሽቲ ዓማዊል እቲ ባንኪ ንምዃን ዘድልዩ ሓበሬታታት፣ ኤቲኤምን ቁፅሪ ይሕለፍ(ምስጢር ቁፅሪ)ን እንትጠፍእ፣ ዓማዊል ካብ ዘለዉሉ ኣማራፂ ቋንቋ ሕቶ ፅሒፎም ብምቕራብ ወይ ድማ ብዝርዝር ኣገልግሎት ዘመላኽት (ሜኑ) ተጠቒሙ ዝተደለየ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ንምርካብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎት ሕብረት ስራሕ ባንኪ ኦሮሚያ ዝውዕል ኩፕ ቦት መተግበሪ ብምምዕባል ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣጀሚሩ።

ብታሪኩ ለገሰ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment