ዘፈር ቴክኖሎጂ መስኖ ንምድንፋዕን ክእለት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዘፈር ቴክኖሎጂ መስኖ ንምድንፋዕን ክእለት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታት ኢንጂነር አይሻ መሓመድን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚልን ፈሪመንኦ፡፡

ኣብ ዘፈር ልምዓት መስኖ ብብዙሕ ሓይሊ ሰብ ዝስራሕ ከምዝኾነ ዝገለፃ ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፥ ዝሳተፍ ሓይሊ ሰብ ብዛዕባ ቴክኖሎጂ እቲ ዓውዲ ግንዛበ ዘለዎን ጥዕንኡ ዝተሓለወ ንኅኸውንን ከምኡ እውን መሰረተ ልምዓታት ማይ ብግቡእ ኣብ ስራሕ ንምውዓልን እቲ ሰነድ ስምምዕነት ከምዝተፈረመ ገሊፀን፡፡

ዘፈር ቴክኖሎጂ መስኖ ንምዕባይ፣ ክእለት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ፣ ኣብቲ ዓውዲ ዝዋፈሩ ዜጋታት ድሕንነት ሞያ ንምፍጣርን ከምዝተፈረመ ዝገለፃ ድማ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኢየን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment