ዘፈር ባንኪ ንሰብሃፍቲ ወፃኢ ክፍቲ ምግባር ኣብ ዘፈር ባንኪ ዓብዪ ለውጢ ከምዘምፅእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ባንኪ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ክፍቲ ምግባሩ ኣብ ዓውዲ ባንኪ ኢትዮጲያ ልዑል ለውጢ ዘምፅእ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዘካየዶ መበል 13 ስሩዕ ኣኼብኡ ዓውዲ ባንኪ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ክፉት ክኾን ንምግባር ኣብ ዝቐረበሉ ፖሊሲ ድሕሪ ምዝታዩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ምውሳኑ ይዝከር፡፡

ነቲ ውሳነ ስዒቡ ሚኒስትር ኢንዳስትሪ ኣይተ መልኣኩ ኣለበል ኣብ ማሕበራዊ ትዊተር ገፆም አብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ÷ እቲ ውሳነ ኢትዮጲያ ኣብ ዓውዲ ኢነቨስትመንት ተነሓናሒትን ተሃራፊትን ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምዝማን ኢንዳስትሪ ፋይናንስ ዘይትካእ ግደ ከም ዘለዎ ሓቢሮም፡፡

በዓል ሞያ ኢኮኖሚ ኣይተ ዘመዴነህ ንጋቱ ብወገኖም “እቲ ውሳነ ታሪካዊ እዩ ክብሉ” ገሊፀሞ፡፡

እቶም በዓል ሞያ ኢኮኖሚ÷ ድሕሪ 50 ዓመታት ባንኪታት ወፃኢ ናብ ኢትዮጲያ ክኣትዋ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝወሰኖ ውሳነ ዓብይ ለውጢ ሒዙ ከም ዝመፅእ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

“እቲ ፖሊሲ ናብ ስራሕ እንትኣቱ ድማ ዓውዲ ባንኪ ኢትዮጲያ ዝዓበየ ለውጢ ሒዙ ክመፅእ ትፅቢት ይግበር” ኢሎም፡፡

ግልጋሎት ባንኪ ንወፃእተኛታት ኢንቨስተራት ክፉት ክኾን ምኽኣሉ እቲ ዓውዲ ኣብ ክእለትን ፍልጠትን መሰረት ዝገበረ ብቴክኖሎጂ ንምሕጋዝ፤ ቁጠባ ሃገር ምስ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘለዎ ምትእስሳር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር፤ ኣብ ግልጋሎት ፋይናንስ ተወዳዳርነት፤ ውፅኢታውነትን ቅልጥፍናን ብምውሳሕ እኹል ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ዘኽእል ፖሊሲ እዩ ፀዲቑ ዘሎ ተባሂሉ፡፡

እቲ ፖሊሲ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ክሳለጥ፣ ዝፍጠር ስራሕ ዕድል ንኽሰፍሕ፤ ውፂኢታውነት ቁጠባን ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ብምርግጋፅ ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ቁጠባ ጋህዲ ንምግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment