ዘፈር ባህሊ ህንፀፅ ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ኣፈፃፅሙኡ ይግምግም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ባህሊ ህንፀፅ ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ዝነበሮ ኣፈፃፅማ ይግምግም ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ተወከልቲ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማን እቲ ፓርቲ፣ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ እቲ ዓውዲ ዘቕርቡ እንትኾኑ ኣብዚ ጉዳይ ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ልዝባት ከምዝካየዱ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝረአዩ ስብራት ልምምድ ዴሞክራሲ መፍትሒ ንምንዳይ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ጠመተ ክግበረሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ዝገበሩ መተሓባበሪ ዘፈር ህንፀት ባህሊ ፖለቲካ መለሰ ኣለሙ÷ ዝተጀመሩ ዴሞክራሲያዊ ልምምዳት ውፅኢታዊ ንኽኾኑ ኩሉ ኣካል ተሳታፊ ክኸውን ስራሕቲ ተጀሚሮም ኢሎም።

ባህሊ ዴሞክራሲ ዴሞክራሲ ንምድንፋዕ ዓቕሚ ሲቪክ ማሕበረሰብ ምዕባይ፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ብምዕባይ ኣብ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ተረባሕነት ንምጉላህ ኣብ ምስራሕ ትኹረት ከምዝተገበረ ኣመልኪቶም።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment