ዘፈር ሕርሻ ብዝድለ ብርኪ ዓብዩ ውሕስና ምግቢ ንኽረጋገፅ ሓገዝ ምግባርና ክንቅፅል ኢና – ፋኦ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ሕርሻ ብዝድለ ብርኪ ዓብዩ ውሕስና ምግቢ ንኽረጋገፅ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ትካል ምግቢን ሕርሻን (ፋኦ) ገሊፁ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ ምስ ተወካሊ ፋኦ ኣብ ኢትዮጵያ ፋራይ ዚሙድዚ ተዛቲዮም።

መንግስቲ ኢትየጵያ ዘፈር ሕርሻ ብምድንፋዕ ኣታዊ ሓረስቶትን ስርዓት ኣመጋግባን ንምምሕያሽ ምስ ዓለም ለኸ ተርካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣይተ ርስቱ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዓውዲ ብግቡእ ካብ ምምዝጋብ ሓሊፉ ንዕቤት ሃገር መሰረት ክኸውን ኩለመዳይ ምንቅስቓስ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ፋራይ ዚሙድዚ ብግደኦም÷ እቲ ትካል ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝግበሩ ፃዕሪታት ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment