ዘፈር ሕርሻ ብቴክኖሎጂ ንምዝማን ከምዝስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስት ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ኣብ ዝሕግዙ ቀረባት ቴክኖሎጂ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ምትእስሳር ዕዳጋን ፋይናንስ ክላስተርን ትኹረት ከምዝግበር ኣፍሊጦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳታት ዶዶታን ሄጦሳን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሕርሻ ዑደት ኣካይዶም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝገበሩዎ ዑደት፥ ኣብቲ ከባቢ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዝገበሩዎ ዑደት ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዘቐመጡዎም ኣንፈታት ስራሕ ኣፈፃፅኦም ንምዕዛብ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ዘሎ ኩነታትን ኣተሓሕዛን ሕርሻ ከምዘሐጎሶምን ቀፀልቲ ስራሕቲ ከምዘድሊዩን ምግላፆም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ዑደት ብዝዕባ ተራኢዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኣምበጣ ንምክልኻል መድሓኒት ዝነፅጋ 10 ኣውሮፕላናት ብኽራይ ንምምፃእ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment