ዘፈር ህንፀት ፖሊቲካን ርእዮተ ኣለምን ፓርቲ ብልፅግና መድረኽ ዘተ ሃገራዊ ገምጋምን ትልሚን የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘፈር ህንፀት ፖሊቲካን ርእዮተ ኣለምን ፓርቲ ብልፅግና መድረኽ ዘተ ሃገራዊ ገምጋምን ትልሚን የሳልጥ ኣሎ።

ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈት ዘፈር ህንፀት ፖሊቲካን ርእዮተ ኣለምን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ እቲ መድረኽ ዘተ ን2013 ዓ.ም ኣብ ዝተትሓዙ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ናይ ሓባር ኣንፈታት ብምሓዝ ምርምራብ ኣብ ዘኽእል ትኹረት ዝገብር ኢዩ።

ከም ሃገር ኣብ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ለውጢ ኣለና ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ መእተ ዓመት ከይተመለሱ ዝፀንሑ ፍትሓቲ ተረባሕነት፣ ማዕርነትን ዴሞክራስን ብኣግባቡ ምምላስ ዘኽእል ትልሚ ብምሓዝ ይሰርሕ ኣሎ ኢሉ።

ንዘበናት ዝፀንሐ ሕቶ ሀዝቢ ንምምላስ ተስፋ ዝተገበረሉ ለውጢ ንዘይምቕባልን እንተተኻኢሉ ድማ ንምኽባስ ኣብ ዝሰርሑ ጥቕሞም ዝተነኽኦምን ካልኦት ፅንፊ ዝረገፀ ኣካይዳ ዘለዎምን ናይ ምቅላስ ስራሕቲ ምስ ህዝቢ ብምዃን ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ነቶም ዓበይቲ ስራሕቲ ብብርኪ ሃገር ስሩዕ ብዝኾነ መልክዑ ናይ ሓባር ትልሚ ብምሓዝ ብሓባር ርብርብ ንክግበር ኣብቲ መድረኽ ኣንፈት ክቕመጥ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

Comments (0)
Add Comment