ዘይጥዑይ ምንቅስቓስ ንግዲ ብገበን ከምዘሕትት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይጥዑይ ምንቅስቓሳት ንግዲ ብምምሕዳራዊን ገበንን ዘሕትቱ ግህሰታት ሕጊ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ትናሊ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝገበርዎ መድረኽ ዘተ፥ ለውጢ ማክሮ ኢኮኖሚ ብቑንፁል ዘይኮነስ ብሙሉእነት ምርኣይ ከምዝግባእ ምግላፆም ይዝከር።

ኣካላት ኣፈፀምቲ ሕጊ  ስራሕቲ ለውጢ ብዘይግቡእ ዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ረብሐኦም ንምውዓል ኣብ ልዕሊ ዝደሊዩ ስሱዓት ነጋዶ ስጉምቲ ንክወስዱ ሓላፊነት ከምዝተውሃቦም እውን ኣረዲኦም።

በዓል ሞያ ሕጊ ኣብነት ዘርፉ ንግዜኢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ዘይጥዑይ ምንቅስቓስ ንግዲ ብገበን ከምዘሕትት ገሊፆም።

ናውቲታት ዕዳጋ ምሕባእ፣ ምኽዛንን ምስዋርን ምትሕልላፍ ደንቢ9 ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

በቲ ተግባር ተሳቲፎም ዝተረኸቡ ነጋዶ ካብ ዓመታዊ ሽይጣቶም ካብ 5 ክሳብ 10 ሚኢታዊ መቕፃዕቲ ክሳብ 5 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ እስራት ከስዕበሎም ከምዝኽአል ኣረዲኦም።

ናህሪ ናብሪ ንክፍጠር ከምኡውን ሰብ ስራሕ ወሰኽ ዋጋ ንክህሉ ምግባር ብተመሳሳሊ ተሓታትነት ሕጊ ዘስዕብ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ስራሕቲ ንግዲ ዘይተዋፈሩ እንተኾኑ እውን ናይቲ ተግባር ተሓባበርቲ ኮይኖም እንተተረኺቦም ክሳብ 50 ሺሕ ብር ቅፅዓት ገንዘብን ክሳብ 5 ዓመት ዝበፅሕ ፅኑዕ ማእሰርቲን ዘስዕብ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment