ዘይተገበአ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ሓዊሱ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ፅዕንቶን ኢድ ኣእታውነትን ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ክካየድ ኢዩ።

እቲ ሰልፊ ዝቕፅል ሰንበት ኣብ ፊት ንፊት ዋይት ሃውስ ከም ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ምሸት ሰዓት ሰለስተ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ÷ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝሓዞዝተለሳለሰ ቅዋምን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ፅዕንቶን ዝቃወሙ መልእኽቲታት ከምዝመሓላለፉ ግብረ ሓይሊ ሰላምን ሓድነትን ንኢትዮጵያ ዋሸንግተን ዲሲ ኣፍሊጡ፡፡

ሃገራት ምዕራብን ሰብ መዚ ዓለም ለኸ ትካላትን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘመሓላልፉዎ ዝተሰሓሓተ መልእኽቲ ዝቃወሙ መልእኽቲታት ከምዝመሓላለፉ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 3 ሕዳር 2015 ዓ.ም ብምኽንያት ኲናት ንዝተመዛበሉ ወገናት “ንሃገራዊ ፃውዒት ወገናዊ መልሲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment