ዘይተዳለወ ኣመርርሓ ሃገርን ህዝቢን ከገልግል ኣይኽእልን – ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መዕፀዊ ስነ ስርዓት ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ተሳሊጡ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተኻየደ እቲ መዕፀዊ ስነስርዓት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተረኺቦም መጠቓለሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም፥ እቲ ስልጠና ኣመራርሓታት ነኒሕድሕዶም ንኽፋለጡ፣ ዓቕሞም ብምሕያል ህዝቢ ንኸገልግሉ ተሓሲቡ ከምዝተሰናድአን ዕዉት ከምዝነበረን ገሊፆም።

እቲ ስልጠና እኹል ዋላ እኳ እንተዘይኮነ ንምጅማር ዘኣክል ግን እቲ ኣመራርሓ ባዕሉ ናብ ልኡኽቶ ንኸዳሉ በሪ ዝኸፈተ ኢዩ ኢሎም።

ዘይተዳለወ ኣመርርሓ ሃገርን ህዝቢን ከገልግል ኣይኽእልን ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ እቲ ኣመራርሓ መምርሒታትን ፖሊሲታትን ፓርቲ ብልፅግና ብዝግባእ ፈሊጡ ኩሉ ግዘ ድሉው ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

“ዝተውሃበኩም ቦታን ሓላፍነትን ኩሉ ግዘ ምሳኹም ዝነብር ስለዘይኮነ፤ ኣብ ዘለኩም ግዘን ሓላፍነትን ህዝብኹም ኣገልጊልኩም ሕለፉ” ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣተሓባባሪ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ወፃኢን እቲ ፓርቲ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ ከምዝበሉዎ፥ ን17 መዓልቲታት ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ሃገራዊ ለውጢን ዘርኣዮ ዝላን ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ተኻይዱ ኢዩ።

እቶም ላዕለዎታ ኣመራርሓታት፥ ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝተርኣዩ ማሕለኻታት፣ እቲ ለውጢ ቀፃልነት ንኽህልዎ ዝነበሩ ኣካይዳታትን ኣብ ቀፃሊ ክግበሩ ኣብ ዝግበኦም ጉዳያትን እኹል ስልጠና ከምዝወሰዱ እውን ገሊፆም።

እቲ ስልጠና ኣብ ሞንጎ ኣመራርሓታት ናይ ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስባን ሓድነት ኣብ ምምፃእ ዓቢዪ እታወት ከምዝኸነ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ሞንጎ ሓደሽቲን ነባራት ኣመራርሓታትን ዝነበረ ናይ ልምዲን ፍልጠትን ብምምላእ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ፖሊሲታት፣ መምርሒታትን ሓሳባትን እቲ ፓርቲ ብማዕረ ንኽስለፉን ብዕቱብ ንኽሰርሑን ከምዝሕግዞም እውን እቶም ኣተሓባባሪ ገሊፆም።

ብፍሬህይወት ሰፊው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment