ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ስራሕ ከይኣተዉ ዝፀንሑ ፕሮጀክትታት መስኖ ዛዚምካ ኣብ ረብሓ ምውዓል ትኹረት በጀት ሓዱሽ ዓመት ከምዝኾነ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባብታትን ገሊፁ።
እቲ ሚኒስቴር ትልሚ በጀት ዓመት 2014 ገምጋም ንበጀት ዓመት 2015 ድማ ሓባሪ ትልሚ ምስ ሰብ ግደ ዘትዩ።
ኣብቲ ዘተ ሚኒስትር ኣይሻ መሓመድ፤ ድርቂ ዘጋጠመን ከባብታት ቆላ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሄክታር መሬት መኖ እንስሳት ኣላሚዑ ከቕርብ ከምዝኸኣለ ገሊፀን።
ድርቂ ኣብ ዘጥቅዐን ከባብታት ዝነብሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ልዕሊ 19 ሚሊየን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ዝኸውን ወፃኢ ናይ ማይን መኖን ቀረብ ከምዝገበረ እውን ኣብሪሀን።
እተን ሚኒስትር÷ ንምጉታት ህንፀት ፕሮጀክታት መስኖ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ፀገም ምምሕዳር ፕሮጀክት ምፍታሕ ዘኽእል ስልጠናታት ብሰፊሕን ጥንኩር መንገዲን እናተኸገበረ ምዃኑ ተዛሪበን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com