ዘይምርድዳእ ብዕርቀ ሰላም ብምዕፃው ብፍቕሪን ሰላምን ካብ ምንባር ዝሓሸ ካሊእ ኣማራፂ የለን-ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘይምርድዳእ ብዕርቀ ሰላም ብምዕፃው ብምክብባርን ምትሕስሳብን ብፍቕሪን ሰላምን ካብ ምንባር ዝሓሸ ካሊእ ኣማራፂ የለን ክብሉ ፓትሪያሪክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ቀዳማዊ ገሊፆም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝተኸበረ በዓል ዳመራ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ እንኳዕ ኣብፀሐኩን ኢሎም።

ሰባት ጥራሕ ዘይኮኑስ ፍጥረታት ኩሎም እንትፃልኡ ዘላቒ መፍትሒኡ ይቕሬታን ዕርቀ ሰላምን ኢዩ ክብሉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ገሊፆም።

ዘይምርድዳእ ብዕርቀ ሰላም ብምዕፃው ብምክብባርን ምትሕስሳብን ብፍቕሪን ሰላምን ካብ ምንባር ዝሓሸ ካሊእ ኣማራፂ ከምዘየለ እውን ሓቢሮም።

እዚ ክኸውን ዝኽእል፥ ንሓወይን ሓፍተይን ዝብል ቅኑዕ ልቦናን ኣተሓሳስባን ብሓዝ ንኩላትና ዝብል ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ኣብ ልቦና ሰባት ልዕልነት አንትህልዎ ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም።

በዓል መስቀል እንትነኽብር፥ ብመሰረት መልኽቲ መስቀል ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ፍፁም ሰላምን ፍቕሪን፣ ሓድነትን ማዕርነትን፣ ይቕረ ይቕረ፣ ምሕረትን ሓዘኔታን ብሙሉእነት ነጊሱ፤ መንፈሳዊ፣ ሞራላዊን ኣካላዊን ህልውና ሰባት ብዘይምንም ጎደሎ ተሓሊዩ ንክህሉ ኢዩ ኢሎም።

እንገብሮ ተግባር ብሙሉኡ ፍቓድ አግዚኣብሄርን ምሽጥር መስቀለን ዝሓለወ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

እግዚአብሔር ነቲ ጎንፂ ብምውጋድ  ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ኣሰማምዖን ንከምፀአልና ንሕና እውን ናይ ይቕሬታን ይቕረ በሃላይነትን ሰባት ክንከውን ይግባእ ኢሎም። ነዚ ድማ ብዕቱብ ንክንፅልይ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment