ዘይመንግስታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገርን ትውልዲን ዘለወን ግደ ልዑል ኢዩ-ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2017 ዓ.ም(ኤፍ ኢም ሲ)ዘይመንግስታዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ንህንፀት ሃገርን ትውልዲን ዘለወን ግደ ልዑል ኢዩ ከብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ውልቀ ጣብያታት ቴሌቪዥን ብቐዳምነት ካብ ዝርቁሑ  ኣብ ጣቢያ ቴሌቪዥን ኢቢኤስ ዑደት ገይርና ኢሎም።

ኢቢኤስ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ውልቀ ሚዲያ ብዙሓት መሀደስቲን እዋናዊን ሓበሬታታት ናብ ህዝቢ ብምብፃሕ ልዑል ግደ ከምዝነበሮ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እቲ ትካል ናይ ኢትዮጵያ ውቁብ ባህሊ፣ ታሪክን ማሕበራዊ ዝምድናን ኣግዚፉ ብምርኣይ ንዓለም ተበፃሒ ይገብር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ንነዊሕ ዓመታት ዘይተራኸቡ ሰድራ ኣብ ምርኻብን ንዝተፀገሙ ዜጋታት ብሩህ ተስፋ ብምዃንን ዝጀመሮ ስራሕ ንኻልኦት መራኸብቲ ሓፋሽ መርኣያ ዝኸወን ከምዝኾነ ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment