ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ኣብ ዝፀዓነት ተሸከርካሪት ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ህይት ኣባላት ፖሊስ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ከተማ ጎንደር ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ኣብ ዝፀዓነት ተሸከርካሪት ብዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር ህይት ኣባላት ፖሊስ ምሕላፉ ተገሊፁ።

ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኮማንደር ኣየልኝ ታክሎ ንፋና ከምዝገለፁዎ፥ ካብ መስመር ጭልጋ ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ዝፀዓነት ኣይሱዙ ተሸከርካሪት ኮድ ቁፅሪ 32877 እናተፈተሸ እናሃለወምፍንጃር ዘጋጠመ ኢዩ።

በቲ ሓደጋ ምፍንጃር ክልተ ኣባላት ፖሊስ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ ሸውዓተ ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካል በፂሑዎም ኢሎም።

ኣብቲ ጣቢያ ዝነበሩ ክልተ ሲቪል ሰባት እውን ናይቲ ምፍንጃር ግዳያት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ተጎዳእቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ክትትል ሕክምና እናተገበረሎም እንትኸውን፥ መልዐሊ ምገኽንያት እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

ብምናለ ኣየነው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment