ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ኣብ ምክልኻል ልምዲ ንምልውዋጥ ዘኽእል ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌደራል ምስ ሚኒስቴር ድሕንነት ጣሊያን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ኣብ ምክልኻል፣ ፎረንሲክ ምርመራን ፖሊስ ኮስት ጋርድን ልምዲ ንምልውዋጥ ዘኽእል ዘተ ኣካይዱ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤልን ኣብ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ድሕንነት ውሽጢ ሃገር ጣሊያን ኣማኻሪ ዓለም ለኸ ርክብ ኢፎሚያ ኤስፖሲቶ ብመርበብ ሓበሬታ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ምስ ስቴት ፖሊስ ጣሊያን ኣብ ኦፕሬሽን ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ቁፅፅር ዶብ፣ ሓገዝ ናውቲ፣ ምርመራ ፎረንሲክን ኮስት ጋርድ ፖሊስን ልውውጥ ልምዲ ንምግባር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ትኹረት ገይሮም፡፡

ንኣባላትን ኣመራርሓን ፖሊስ ዕድል ትምህርቲን ስልጠናታት ህንፀት ዓቕሚን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን መጋቢት 2025 ኣብ ሃገረ ጣሊያን ንኽወሃብ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ እውን ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment