ዘይሕጋዊ ታሴራ ንፀላኢ ኣሕሊፎም ንምሃብ ይንቀሳቐሱ ነይሮም ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ከባቢ ከተማ ጎንደር 314 ዘይሕጋዊ መለለዪ መንነት ንፀላኢ ኣሕሊፎም ንምሃብ ብሕቡእ ይጓዓዙ ነይሮም ዝተብሃሉ ክልተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምውዓሎም ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ሓላፊ ርክብ ህዝቢ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ጎንደር ኢንስፔክተር እየሩስ ኣስማረ ከምዘገለፀኦ÷ ካብ ሞንጎ እቶም ተጠርጠርቲ ሓደ 13 ጥሪ 2014 ዓም ብዝተገበረ ክትትል ኣብ ጎንደር ዙርያ ወረዳ እንፍራዝ 104 ዘይሕጋዊ ታሴራታት ሒዙ ተረኺቡ፡፡

እቲ ካሊእ ተጠርጣሪ ውልቀ ሰብ ድማ 14 ጥሪ 2014 ዓም ኣብ ከተማ ጎንደር ከባቢ ኣዘዞ ዝርከብ መናሃሪያ 210 ዘይሕጋዊ ታሴራታት ሒዙ ምርካቡ ተዛሪበን።

ካብ ሕብረተሰብ ብዝበፀሐ ጥቆማ መሰረት ሓይልታት ፀጥታ ብዝገበሩዎ ጥቡቕ ክትትል ድሕንነት እቶም ውልቀ ሰባት ምስ ዘይሕጋዊ ታሴራ ኢድ ብኢድ ምትሓዞም ኣፍሊጠን፤ ብሓፈሻ 314 ዘይጋዊ ታሴራታት ኣብ ኢድ እቶም ውልቀ ሰባት ምትሓዙ ኣብራህሪሀን፡፡

እቶም ዘይሕጋዊ ታሴራታት ብስም ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ሽኩራ ዝተብሃለ ቀበሌ ዝተሰናድኡን ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፀላኢ ኽበፅሑ ንምግባር ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ምንባሩን እተን ኢንስፔክተር ምዝራበን ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment