ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘኹርዕ ዓወት መናእሰይ ኣትሌታት ተሳጋሪ ክብሪ ስነ ልቦና ተዓዋታይ ትውልዲ ኢትዮጵዊያን ከምዝኾነ የርእይ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ኮሎምቢያ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ዑጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮም ዘመዝገቦ ዘኹርዕ ዓወት ጠሚቱ ናይ አንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ አመሓላሊፉ።
ኣብ መልእኽቱ፥ ዘኹርዕ ዓወት ኣትሌታት ተሳጋሪ ክብሪ ስነ ልቦና ተዓዋታይ ትውልዲ ኢትዮጵዊያን ከምዝኾነ የርእይ ኢሉ።
ናይዚ መርኣዪ፥ ኣብቲ ዝተኻየደ ውድድር ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ጥራሕ 5 ሜዳሊያ ወርቂ ምውሳድ ንዓለም ዘደመመ ኢዩ ኢሉ።
እዚ ዓወት ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓሙቕ ሃፍቲ ኣትሌቲክስ ካብ ምርኣይ ብተወሳኺ ስነ ልቦና ሰዓራይነት ኣትሌታትና ዝለዓለ ምዃኑ ዘርእይ ኢዩ ክብል ገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።