ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጉዳይ ስርዓተ-ፆታን ማሕበራዊ ጉዳይን ጠሚቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ ሚኒስትራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ሃገራት ኣፍሪካ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምፅዳቕ ተዛዚሙ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ሰገን ደቂ ኣንስትዮን ዝበፅሕ መጥቃዕቲ ንምዕጋት ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብዝምልከት ምይይጥ ተገይሩሉ፡፡
እቲ ስምምዕነት ንመጥቃዕቲ ተቓላዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ሰገናትን ፍትሒ ንኽረኽባ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ድልዉነት ሃገራት ኣፍሪካ ንምፍላጥ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ንክልተ መዓልቲ እናተኻየደ ዝፀንሐ እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣኼባ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ዝቐርብ ሓበራዊ ቅዋም ኣፍሪካ ብምፅዳቕ ከምዝተዛዘመ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡