ዘተ ኣባል ሃገራት ሴካፋ ኣብ ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ካፍ  ፓትሪስ ሞሴፔ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ዘተ ኣባል ሃገራት ሴካፋ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ካፍን ኢሳያስ ጅራን ሓዊሱ ኣመራርሓ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ከምዝተረኸቡ ኣብ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መበል 46 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኮንፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment