ዘተ ሚኒስትራት ፋይናንስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘተ ሚኒስትራት ፋይናንስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብመርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ፥ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲታት ትራንስፖርት፣ ንግዲ፣ ገፀር ፋይናንስ፣ ቀረብ መስተ ማይ፣ ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣርን ኣብ ምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ በረኻን ተሓጋጊዘን ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸላይ ክፍሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ትርከብን ምስ ኩለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ትዋሰንን ምዃና ኣብ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ቁልፊ ግደ ከምትፃወት ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ልምዓትን ምዕባለን ጋህዲ ኣብ ዝገብሩ ዘፈራት ምትእስሳር ትራንስፖርት መገዲ፣ ንግዲ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ልምዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ ልምዓት ሰበኽ ሳግምን ኣብ ሓምለዋይ ልምዓትን ግደ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝገጠማ ውሽጣዊ ዘይምርግጋዕ እውን ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተዋፂ ገፃ ናብ ልምዓት ብምምላስ ንሃገራት ቀርኒ ኣብ ውፅኢታዊ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ትፃወቶ ግደ ኣጠናኺ ከምትቕፅል ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተላዒሉ።

እቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትራት ፋይናንስ በቢሰለስተ ወርሑ ዝካየድ እንትኸውን፥ እቲ ናይ ትማሊ መድረኽ ም9 እዋን ዝተኻየደ ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment