ዘተኣማምን ቀረብ ነዳዲን ሸቐጣሸቐጥን ንኽህሉ መንግስቲ ልዑል ድጎማ ገይሩ ኢዩ – ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ነዳዲ ሓዊሱ ስትራቴጂክ ዝበሃሉ ሸቐጣሸቐጣት ዘተኣማምን ቀረብ ንኽህልዎም መንግስቲ ልዑል ድጎማ ከምዝገበረ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

አይተ ኣሕመድ ሽዴ ከምዝበሉዎ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዕሊ 267 ቢሊየን ብር ንነዳዲ ድጎማ ዘገበረ እንትኸውን÷ ን2017 ዓመት ጥራሕ ድማ ንድጎማ ነዳዲ ተወሳኺ 100 ቢሊየን ብር በጀት ፀዲቑ ኢዩ፡፡

ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ካብ ዝግበር ንደሓር ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም ተጠናኺሩ ንዕቤት ኢኮኖሚ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንኸበርክት ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

እቲ መመሓየሺ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ ብልዑል ደረጃ ክመሓየሽ፣ ምስ መሓዙት ልምዓት ዘሎ ምትሕብባር ልምዓት ተጠናኺሩ ንኽቕፅል፣ ኣፈፃፅማ ኤክስፖርት ንኽመሓየሽ ምግባር ሓዊሱ መጠን ዕቋር ባንኪት ንኸዓቢ ከምዘኽኣለ ገሊፆም፡፡

ተመን ሸርፊ ብዕዳጋ ክውሰን ምስ ምግባሩ ክመፅኡ ዝኽእሉ ወሰኻት ዋጋ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶከየሕድሩ ድማ ብዙሓት ተግባራት ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም።

በዚ ድማ ነዳዲ ሓዊሱ ስትራቴጂክ ዝበሃሉ ሸቐጣት ዘተኣማምን ቀረብ ንኽህልዎም መንግስቲ ልዑል ድጎማ እናገበረ ከምዝርከብ ሓሮም፡፡

ንኣብነት ድማ ንዘበናዊ ዱኽዒ፣ ንነዳዲ፣ ወሰኽ መሃያ፣ ንመድሓኒት፣ መሰረታዊ ሸቐጣት፣ ንልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማን ገፀርን ሓዊሱ ንካልኦት ብዓመት ልዕሊ 400 ቢሊየን ብር ድጎማ ኣብ ምግባር ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment