ዘተኣማምን ሰላም ንምርግጋፅ ጠንቂ ሰላም ዝኾኑ ጉዳያት ምፅራይ የድሊ – ዶ/ር አብርhaም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰላም ንምዕሳል ጥንኩር ውዳበን ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢን ከምዝሓትት ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ኣብራሃም በላይ ገሊፆም።

ካብ 22 ክሳብ 23 ጥሪ 2014 ዓ.ም እናተኻየደ ዝፀንሐ ሓበራዊ መድረኽ ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀፅታን ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተዛዚሙ ።

ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ኣገልግሎት ድሕንት ሓበሬታ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፥ ሰላም ንኽመፅእ ፈለማ ምዝርራብን ምርድዳእን ከምዝሊን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ጥፍኣተኛታት ብሕጊ ክሕተቱ ምግባር ከምዘድሊን ገሊፆም።

ሰላም ንኸዓስል ጥንኩር ዝተዋደደ ውዳበን ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢን የሓትት ዝበሉ ድማ ሚኒስቴር ምክልኻል ዶክተር ኣብረሃብም በላይ ኢዮም።

“ዘተኣማምን ሰላም ንምርግጋፅ ጠንቂ ሰላም ዝኾኑ ጉዳያት ምፅራይ የድሊ” ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፀብፃብ ትካላት ፀፅታ ሚኒስቴር ሰላም፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታታን ቀሪቡ ልዝብ ዝተገበረሉ እንትኸውን፥ ቀፀልቲ ኣንፈታት ከምዝተቐመጡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment