ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ተጀሚሩ።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከባ ኩለን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣብያተ ትምህርቲ ኢዩ ተጀሚሩ።

ኣባላት ማነጅመንት ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ በቢብርኩ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓ ብምዃን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣጀሚረሙዎ።

እቶም ተምሃሮ ንምምሃር ምስትምሃር ካብ ዘገልግሉ ናውቲታት ወፃእ ሞባይል ስልኪታትን ካልኦት ዝተኸልከሉ ነገራትን ሒዞም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ምምፃእ ከምዘይኽእሉ ኣብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment