ዘመናዊ ናይ ደም ናሙና መመርመሪን ናይ ደም ዓይነት መፍለዪን ማሽናት ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ ፣  15 ነሓሰ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ዘመናዊ ናይ ደም ናሙና መመርመሪን ናይ ደም ዓይነት መፍለዪን ማሽናት ተመሪቖም።

እቲ ማሽን ብሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰን ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ደም ባንኪ ኣይተ ያረጋል ባንቴ ብዕሊ ተመሪቑ።

እቲ ማሽን ምምራቑ፥ ዘመናዊ፣ ፅሬት ዘለዎን ቅልጡፍን ናይ ደም ባንኪ ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ኢዩ ከምዝተብሃለ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ናይቶም መሽናት ምትካል ቅድመ ሐዚ ብማእኸላይ ካብ 3 ክሳብ 4 ሰዓት ዝወስድ ዝነበረ 100 ዝበፅሕ ናይ ደም ምርመራ ናሙናን ናይ ደም ምፍላይን ናብ 1 ሰዓት ብምቕናስ ካብ 200 ንላዕሊ ዝኸውን ናይ ደም ናሙና ምምርማርን ናይ ደም ዓይነት ምፍላይን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ማሽናት ኣብ ከተማ ባህርዳር፣ ኣዲስ ኣበባ፣  አዳማ፣ ሃዋሳን ጅግጅጋን ኢዮም ተተኺሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment