ዘላቒ ቶታት ልምዓት ንምዕዋት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝገብሮ ፃዕሪ ብዕፅፊ ንኽውስኽ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒ ቶታት ልምዓት ንምዕዋት ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝገብሮ ፃዕሪ ብዕፅፊ ንኽውስኽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ሓቲቱ።

ክሌማዊ ለውጢን ፅዕንቶ ለበዳ ኮቪድ 19ን፣ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ዝቐፀለ ጎንፂ ከምኡ እውን ዝተዛበዐ ኣረኣእያ ኢኮኖሚ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2015 ዝተዘርዘሩ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ብዝተደየ መልክዑ ከይዕወቱ ማሕለኻ ከምዝኾኑ ውሕመ ኣገንዚቡ፡፡

ውሕመ ኣብ ፀብፃቡ ሕዚ እውን ብብርኪ ዓለም ካብ ዝስተውዓሉ ፅዕንቶታት ብተወሳኺ መንግስታት ዓለም ባዕሎም ዘመልከቱዎም ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ንኽትግብሩ ሓቲቱ፡፡

እዚ ክኸውን እንተዘይክኢሉ ልዑል ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ዘይምርግጋእ ከጋጥም ከምዝኽእል ዝሓበረ ውሕመ÷ እቶም ሽቶታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2030 ዓለም ለኸ ፃዕሪታት ልምዓት ትልሚ ኮይኖም ንኸገልግሉ መንግስታት ብሓደ ድምፂ ከምዝተቐበሉ ሲ ጂ ቲ ኤን ኣዘኻኺሩ።

ካብ ሞንጎ ዝተዘርዘሩ 17 ሽታት÷ ድኽነት ምውጋድ፣ ማዕርነት ምዕሳልን ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋርን ዝዓለሙ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ኣብ 2023 ፍሉይ ፀብፃብ ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት÷ እቶም ሽቶታት ዘይትግበሩ እንተኾይኖም ዓለምና ናብ ዘይተወፅኦ ፅዕንቶ ክሌማዊ ለውጢ ክተምርሕ ከምትኽእል ኣጠንቂቑ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment