ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ግደና ክንዋፃእ ኣለና-ኣቦታት ሃይማኖት

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክብርታት ምክብባርን ሓድነትን ንመናእሰይ ብምስራፅ እቲ መንእሰይ ዘብዒ ሰላም ንክኸውን ግደና ክንዋፃእ ኣለና ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።

ሚኒስቴር ሰላም “ማሕበራዊ ሃፍትና ንዘላቒ ሰላምና” ብዝብል መሪሕ ቃል ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

ህዝብን መንግስቲን ንምልታም ሃይማኖት ጉልባብ ብምግባር ሰላም ሃገር ዘናግዑ ዘለዉ ኣካላት ኣለዉ ዝበሉ እቶም ኣቦተት ሃይማኖት፥ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ ኢሎም።

መናእሰይ ባህሊ ምክብባርን ምክእኣልን ንከማዕብል ብምምሃርን ብምስራፅን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ልዑል ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ታዬ ደንደአ ብግደኦም፥ ሰላም ንኹሉ ነገር መሰረት ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ሰላም ንምስራፅን ኣቦታት ሃይማኖት ልዑል ግደ ከምዘለዎም ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ቅድመ ሐዚ ዝነበረ ጥንካረ ኢትዮጵያውነት ንምቕፃል እቶም ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ በቢኣብያተ እምነቱ ዝህብዎ ቅኑዕ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ምዝራቦም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ሚኒስቴር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment