ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ሃገርና ንምርግጋፅ ንመናእሰይ ትኹረት ምሃብ ይግባእ ክብላ ሚኒኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ገሊፀን።
መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ወለንታ መናእሰይን ሓምለዋይ ኣሰርን 2015 ዓ.ም “ወለንታዊነት ንሓድነት ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ መደረ ዘስምዓ ሚኒኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ “መንእሰይነት ብዙሓት ድሌታት ዝንፀባረቑሉ ክሊ ዕድመ ኢዩ” ኢለን፡፡
እዞም መናእሰይ ትኩስ ጉልበቶምን ዓቕሞምን ማሕበረሰብ ኣብ ምርዳእ እንተውዕሉዎ ንዘላቒ ልምዓትም ምዕባለን ኢትዮጵያ ዕዙዝ ብፅሒት ከምዘለዎ ኣብሪሀን።
ካብ 2002 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ክረምታዊ ወለንታ መናእሰይ÷ ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ዝገበሩ ብዙያት ተግባራት ከምዝተወገኑ ፀሪሐን።
ኣብ መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ወለንታ መናእሰይን ሓምለዋይ ኣሰርን 2015 ዓ.ም መናእሰይ ተሳትፎ ንኽገብሩን ኣብታ ሃገር ዘጋጥሙ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ምላሽ ንኽህቡን ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡
ሚዲያታትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ኣገልግሎት ወለንታ ምንቕቓሕ ኣብ ምፍጣር፣ ኣፈፃፅምኡ ብምክትታልን ብምሕጋዝብ ፃዕሪ መናእሰይ ነወኽሕግዙ ሓቲተን፡፡
ብሚኪያስ ኣዬለ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com