ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕጥቃዊ ቃልሲ ሰብኣዊን ቁሳዊን ክሳራታት ካብ ምስዓብ ወፃእ ዘላቒ ሰላም ኣየምፅእን ክብሉ ምሁራን ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ገሊፆም።
እቶም ምሁራን ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ታሪኽ ሃገረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከምዝተፈተነ ብምግላፅ፤ ሰብኣዊ፣ ቁሳዊን ማሕበራዊን ፀገማት ካብ ምምፃእ ሓሊፉ ዘላቒ ሰላም ኣምፂኡ ከምዘይፈልጥ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኒው ጀነሬሽን መምህርን ተመራማሪን ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ቻን ዮም (ዶ/ር)÷ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ መብዛሕትኡ ግዳይ ዝኸውን ግንዛበ ፖለቲካ ዘይብሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ተጠቃዕቲ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡
ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ዕቓት ከምዝረአ ብምግላፅ÷ ዕጡቓት ምንቅስቓስ ብዝገብሩዎ ጎንፂ ብዙሕ ዕንወታት ከምዝበፅሑ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብሕታዊ ኣማራፂ ከምዝኾነ፤ ዕጡቓት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልስ ብምስጓም ሓሳቦም ከዕውቱ ከምዝኽእሉ ገሊፆም፡፡
ዕጡቓት ክንቃለሰልካ ኢና ዝብሉዎ ማሕበረሰብ ዝበፅሖ ማሕበራዊ ቅልውላው ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ስምምዕነት ሰላም ክምለሱ ከምዝግባእ ምዒዶም፡፡
መንግስቲ ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ዕጡቓት ስምምዕነት ከምዝገበረ ዘዘኻኸሩ ቻን ዮም (ዶ/ር)÷ ካልኦት እውን ናብ ሰላም ንኽመፅኡ ኩነታት ከመዓራሪ ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።
ካሊእ ምሁር እቲ ዓውዲ ኣይተ ደያሞ ዳሌ÷ ዕጡቓት ናብ ስምምዕነት ሰላም ምምላስ ሰላም ንምዕሳል ዝግበር ፃዕሪ ኣዚዩ ዝሕግዝ ከምዝኾኖ ገሊፆም፡፡
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተፈፀመ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ፖለቲካ ብሓይሊ ምፍታሕ ከም ባህሊ ከይሕሰብ ዝገብር ከምዝኾነ ብምሐባር፤ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ኣፈላላያት እንትህልዉ ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ንኽምዕብል ዝገብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘተ ንምፍታሕ እናሰርሐ ብምዃኑ ዕጡቓት ሓሳቦም ኣብቲ ከይዲ ዘተ ንኸካትቱ ምኽረ ሓሳቦም ሂቦም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ