ዕጥቂ ምስ ዝፈትሑ ዕጡቓት ህወሓትን ሸኔን ዘተ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶን እቲ ትካል ንምውዳብ ዝተመደቡ ኣማኸርቲን ዕጥቂ ምስ ዝፈትሑ ዕጡቓት ህወሓትን ሸኔን ዘተ ገይሮም።

ዕጥቆም ብምውራድ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ካምፕታት ደስኣ፣ ኣጉላዕን ዕዳጋ ሓሙስን ንዝተኣከቡ ዕጡቓት ህወሓት ኣባላት ኮሚቴ ቴክኒክ ብሄራዊ ኮሚኝን ተሃድሶን ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት ምንግስታትን ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ኣዘራሪበምዎም።

እቶም ነበር ዕጡቓት ህወሓት ዘለውዎም ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት ብዝርዝር ዝገለፁ እንትኾኑ ኩነታት ተመዓራሪዩሎም ናብ ማሕበረሰቦም ብምሕዋስ ተዋሳእቲ ልምዓትን ሰላምን ንምዃን ልዑል ባህጊ ከምዘለዎም ተዛሪቦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምዕራብ ሸዋ ከባቢ ኣምቦ ካምር መሰልጠኒ ፖሊስ ሰንቀሌ ተኣኪቦም ኣብ ስልጠና ተሃድሶ ዝርከቡ ልዕሊ 2 ሺሕን 300 ዕጡቓት ሸኔ ነበር ብምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ  ብ/ጀኔራል ደርቤ መኩሪያ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብቲ ከባቢ ተረኺቡ ከምዘዘራረቦም ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment