ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕጥቂ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ስምምዕነት ሰላም ብምፍፃም ኣብ መድረኽ ብሄራዊ ዘተ ንኽሳተፉ ፃውዒት ነቕርብ ክብሉ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ሰኚ ነጋሳ ገሊፆም።
ኣባላት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣብቲ ዘተ እናተሳተፉ እንትኾኑ÷ ሰላም ዜጋታት ንምዕሳል ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻደ ዝርከብ ብሄራዊ ዘተ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ሰኚ ነጋሳ÷ ኣድላይነት እቲ ዘተ ኣፅንኦት ብመሃብ፣ ህዝቢ ኦሮሞ እውን እቲ ዘተ ሰላም ዘምፅእ ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊፆም፡፡
እቲ ሃገራዊ ዘተ ምሉእ ዝኸውን ኩሉ ዜጋ እንትሳተፍ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣመራርሓ÷ ነዚ ድማ ዕጥቂ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ከምኦም ስምምዕነት ሰላም ብምፍፃም ኣብቲ ብሄራዊ ዘተ ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
“ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓሳባት ብናፅነት ኣልዒልና፣ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ተኻዕና፣ ንሰላምን ድሕንነትን ዝጠቕሙ ሓሳባት ሒዝና እንትንወፅእ ኢ እቲ ዘተ ዕዉት ዝኸውን” ዝበሉ ሰኚ ነጋሳ÷ “ነዚ ድማ ኩልና ነቲ ዘተ ትኹረት ክንህቦ ይግባእ” ኢሎም፡፡