ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወዲ 3 ዓመት ወደይ መሳርሒ ብምቅብባል ኣገዲዶም ደፊሮምኒ – ነባሪት ከተማ ወልዲያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ወዲ 3 ዓመት ወደይ መሳርሒ ብምቅብባል ኣገዲዶም ደፊሮምኒ” ክትብል ውልቀ ተበዳሊት ነባሪት ከተማ ወልዲያ ገሊፃ።

ከተማ ወልዲያ ካብ ግብረ ራዕዲ ህሓት ናፃ ምውፃኣ ስዒቡ እቲ ወራሪ ጉጅለ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝፀንሐሎም እዋናት ዝፈፀሞም ንምስማዕ ዝኸብዱ ዘስካሕኽሑ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰልን ዕንወት ንብረትን ይቃልዑ ኣለዉ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ኣብ ከተማ ወልዲያ ኣብ ዝፀንሐሎም እዋናት፥ ንፁሃን ኣብ ኣደባባይ ረሺኑ፣ ትካላት መንግስቲን ውልቀን ዘሪፉን ደቂ ኣንስትዮ ደፊሩን ኢዩ።

ነባሪት እታ ከተማ ዝኾነት መንእሰይ ግዳይ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምዝኾነት ተዛሪባ፡፡

እታ መንእሰይ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፀቶ፥ “7 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ምሸት ዝናብ ይዘንብ ነይሩ፣ ብቑፅሪ ብርክት ዝበሉናብ ገዛ መፂኦም፣ ዝናብ ንምሕላፍ ከምዝኾነ ነጊሮምኒ፣ ድሕሪ ደቓይቕ ናብ ገዛ ክኣትዉ ከምዝደልዩ እንትነግሩኒ ኣይከፍትን ኢለዮም፣ ፀኒሖም ዝተሓብአ ወታደር እንተሃሊዩ ክንርኢ ኢና እናበሉ ነቲ ማዕፆ ብሓይሊ ምድብዳብ ጀሚሮም።”

ሰብኣያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብሞት ከምዝሰኣነትን ምስ ጓል ሰለስተ ዓመት ወዳ ከምትነብርን እንተነገረቶም እውን ክሰምዑ ከምዘይደለዩ ገሊፃ።

“ነቲ ማዕፆ ሰቢሮም ብምእታው ዘሎ ነገር ምስ ፈቲሾም እንትስእኑ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝኾኖ ወደይ መሳርሒ ብምቅብባል ኣገዲዶም ደፊሮምኒ” ኢላ።

ኣብቲ እዋን ምሳይ ንምሕዳር ዝመፅአት ጓል 14 ዓመት ሰገን ኣብ ዝተዓፀወ ገዛ ጎረቤት ወሲዶም ኣርባዕተ ኮይኖም ከምዝደፊሮምዋ እውን ተዛሪባ።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment