ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ኩሎም ግምባራት ኢዶም እናሃቡን እናተበተኑን ይርከቡ – ሚኒስቴር ምክልኻል

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብዝወሰዶ ከቢድን ቅልጡፍን ስጉምቲ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ኩሎም ግምባራት ኢዶም እናሃቡን እናተበተኑን ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ካልኦት ድማ ብተመሳሳሊ ሓበሬታ ተደናጊሮምእንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ግራ ከምዝኣተዎም ሓበሬታታት ከምዘመላኸቱ ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ገሊፁ።

ኣብ ቀረባ እዋን ነሰራዊት ምክልኻል ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት ግብረ ራዕዲ ህወሓት÷ ካብቲ ኲናት እቲ ጁንታ እምበር እቶም ዕጡቓት ዘትረፉዎ ህልቂት ጥራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም ኢሉ።

ብምዃኑ ዝተበተኑነን ካብ መፃወዲያ ጥፍኣት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከምልጡ ዝደልዩን ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ትግራይን ናብ ጎረባብቲ ክልላትን ብምኻድ ኢዶም ብሰላም ንኅህቡ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ኢዶም ንዝህቡ ዕጡቓት ኣድላዪ ክንክን ንኽግበር መምርሒ ከምዝተመሓላለፍ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment