ዕጡቓት ጉህዴን ፃውዒት መንግስቲ ብምቕባል ናብ ሕብረተሰብ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ )ኣብ ወረዳ ማንዱራ ዝነበሩ ዕጡቓት ጉህዴን ፃውዒት መንግስቲ ብምቕባል ናብ ሕብረተሰብ ከምዝተመለሱ ዞባ መተከል ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ዕጡቓት ኣማራፂ ሰላም ተቐቢሎም እንትምለሱ÷ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ዞባን ሽማግለታት ሃገርን ኣብ ከተማ ገነተ ማርያም ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ መተከል ኣይተ ለሜሳ ዋውያ ከምዝበልዎ÷ እቶም ዕጡቓት ኣማራፂ ሰላም ብምቕባል ናብ ሕብረተሰብ ምምላሶም ሰላም እቲ ዞባ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ዝረብሕ እዩ፡፡

እቶም ተመለስቲ ብዝተማሃሩሉን በቢድልየቶምን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሕርሻ ንምውፋር መንግስቲ ድልው ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

መኩሪያው ዚፋሃመኮነን ፋኖን ብዝበሃሉ ውልቀ ሰባት ዝምራሕ ዝነበረ ጉጅለ ዕጡቓት ጉህዴን÷ ብተኸታታሊ ብዝተገበረ ዘተ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ስምምዕ ሰላም ከምዝተገበረ ተገሊፁ፡፡

ምስቶም ተመለስቲ ብመሰረት ባህላዊ ብሔረሰብ ጉሙዝ ስነ ስርዓት ዕርቂ ከምዝተገበረ ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment