ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስቴር ንግድን ኢንዱስትሪን ዕድጊት ስሚንቶ ንምቁፅፃር ዝወፅአ መምርሒ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ከምዝተልዓለ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ እቲ ከይዲ ዕድጊት ብመርህ ነፃ ዕዳጋ ንክፍፀም ተወሲኑ ኣሎ።
ዳይሬክተር ክትትልን ቁፅፅርን ዋጋ ናውቲ ንግዲ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ካሳሁን ሙላት፥ ኣብ ዕድጊት ስሚንቶ ኣድሂቦም ዝለዓሉ ዝነበሩ ቅርታታት ንምፍታሕ እንትበሃል ናብ ናይ ቀደም ኣሰራርሓ ነፃ ዕዳጋ ተመሊስና ኣለና ኢሎም።
ብቀንዱ ድማ እዋን ክራማት ባህጊ ስሚንቶ ስለ ዝቕንስ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት፣ ኣከፋፈልቲን ቸርቸርቲን ሲሚንቶ ብዘይተጋነነ ዋጋ ንክሸጡ ግደኦም ከምዝገብሩ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ፋብሪካታት ዘሎ መሸጢ ዋጋ ፍሪያት መስቲ ሚኒስቴር ብምዝርራብ ብተናፀል ንክኸውን ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ።
ብሃይለየሱስ መኮንንን ፈትያ ዓብደላን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።