ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕዳጋ ካፒታል ናብራ ዜጋታት ዝቕይር ዓውዲ ንክኸውን ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ክብላ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ሃና ተኸልኩ ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋያት ኢትዮጵያ ብዕሊ ትማሊ ዘጀመሩ እንትኾኑ፥ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፓናል ዘተ ተሳሊጡ።
እተን ዋና ዳይሬክተር፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ካብ መንግስቲ ኣንፈታት ፖሊሲ፣ ሪፎርም ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚን ሓፈሻዊ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ማዕቐፋትን ብምብጋስ ዕዳጋ ካፒታል ናይ ምውዳብ ስራሕ ክስራሕ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።
ብመሰረት እዚ ዝለዓለ ጠመተ ዝተውሃቦ ግልፂ ዝኾነ ዕዳጋ ካፒታል ዝመርሕን ዝቆፃፀረን ማዕቐፍ ሕጊ ምስንዳእ ከምዝነበረ ሓቢረን።
ኣዋጅ ዕዳጋ ካፒታል ቁፅሪ 1248 በምፅዳቕ ናብ ስራሕ ምእታዉ እውን ተዛሪበን።
እቲ ማዕቐፍ ሕጊ በዓል መዚ ዕዳጋ ካፒታል ኢትዮጵያ፣ ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ ኢትዮጵያን እቲ ዕዳጋ ዘራኽቡ ትካላት ንክፋለጡ ከምዝተገበረ ገሊፀን።
እቲ ኣዋጅ ዕዳጋ ንምስላጥ ዝጥዕሙ ትካላትን ቴክኖሎጂታትን ንክፍጠሩ ዘኽአል ማዕቐፍ ኣሰራርሓ ምዝርጉሑ እውን ኣብሪሀን።
ብድምር ዕዳጋ ካፒታል ናብራ ዜጋታት ዝቕይር ዓውዲ ንክኸውን ጠመተ ሂብካ ክስራሕ ኢዩ ኢለን።