ዕዳጋ ነዋይ ሰነደ መዋዕለ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ካፒታል ኣተኣኻኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕዳጋ ነዋይ ሰነደ መዋዕለ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ካፒታል ኣተኣኻኺቡ።

ብመሰረት እዚ ከይዲ ምትእኽኻብ ካፒታሉ ምዝዛሙ ስዒቡ ሎሚ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ትካል፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ናይሮቢን ለንደንን ኣብ ዝተገበሩ ሰብ ሃፍቲ ናይ ምእማን ስራሕ እቲ ካፒታል ምእካቡ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

631 ሚሊየን ብር ንምትእኽኻብ ዝሓዞ ትልሚ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ካፒታል ምትእኽካብ ምኽኣሉ እውን ገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ጥላሁን እስማኤል (ዶ/ር)፥ ብሽርክና መንግስቲን ውልቀን ዝተጣየሸ ትካል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ብኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ  ኢትዮጵያ ኣቢሉ 25 ሚኢታዊ ዝተፈቐደ ካፒታል እንትሕዝ ዓውዲ ውልቀ ድማ 75 ሚኢታዊ ብፅሒት ከምዝሓዘ ገሊፆም።

ብኣሸናፊ ሽብሩ፣ ህይወት ኣበበን  ፍቅርተ ከበደን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment