ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋያት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2017 ዓ.ም ብዕሊ ስራሕ ከምዝጅምር ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ጥላሁን ኢስማኤል(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት እቲ ኩባኒያ ዕላዊ ንምግባር ዝተፈላለዩ ተግባራት ክፍፀሙ ከምዝፀንሑ ተዛሪቦም።
እቲ ዕዳጋ ሽይጣት ሰነደ መዋእለ ንዋያት፣ ዕድጊትን ልውውጥን ብቀዋምነት ዝግበረሉ እንትኸውን፥ ንመንግስቲን ዓውዲ ውልቀን ፍልፍል ገንዘብ ብምዃን ንምዕባለ ኢኮኖሚ ርኡይ ግደ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም።
ምጅማር ዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋይ መንግስቲን ውለቀ ዓውዲን ንዘካይድዎም ኢንቨስትመንታት ካፒታል ንምትእኽኻብ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብዕዳጋ ሰነደ መዋእለ ንዋያት ኣክስዮን ዝሸጣ ኩባኒያታት በቢእዋኑ ኩነታት ሒሳበን እናተገምገመ ዕላዊ ዝኾነሉ ኣሰራርሓ ምዝርግሑ ግዜኢ ፀብፂቡ።