ዕዙዝ ኣፈፃፅማ ስራሕ ንዘመዝገበቡ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ዕቤት መዓርግ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዕዙዝ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዘመዝገቡን ፃንሒት ግዜኦም ንዝዛዘሙ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ዕቤት መዓርግ ተዋሂቡ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣወሃህባ መዓርግ፥ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት መኮንናት ኣብ ዝተረኸቡሉ ተሳሊጡ።

እቤት መዓርግ ዝተውሃቦም ኣካላት፥ ፃንሒት እዋኖም ዝዛዘሙን ልዑል ኣፈፃፅማ ስራሕ ዘመዝገቡን ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢዮም።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 1936 ዓ.ም ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ክልል ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባርን ንሉኣላውነት ሃገር ደው ብምባልን ዓቢዪ ታሪኽ ዘለዎ ትካል ከምዝኾነ ይፍለጥ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment