ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጉንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባ ገዳታት ኣብ ሓደጋ ህልውና ዝወደቐ ብሄራዊ ፓርክ ኣብጃታ ሻላ ዓጋዜን ቆላ ዝቐተለ ሰብ 100 ከፍቲ ወይ ድማ ተመጣጣኒ ካሕሳ ንኽኸፍል ወሲኖም።
እቲ ውሳነ፥ ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከብ እንስሳ ዘገዳም ዓጋዜን ቆላ ስግኣቱ ከምዝንኪ ተገሊፁ።
ኣባ ገዳ ቱፋ ዳራርሶ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ እምባ ሲቄ ዝርከብ ዓጋዘን ቆላ ብማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ጉድኣት እናበፅሖ ንምጥፋእ ተቓሪቡ ይርከብ።
ዓሌት ዳዌ፣ ደቦን ኣብዩን እቲ ዓጋዜን ብስርዓት ገዳ ከም ውላዶም ንኽሪኡ፣ ወዲ ሰብ ዘዘለዎ ክብሪን ክንክንን ንኽረክብ ብሞጋሳ ስርዓት ገዳ ናይ ባዕሉ ምግባሩ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ዓጋዜን ቆላ ዝቐተለ ሰብ ዝንበረሉ ቅፅዓት ወይድማ ዝኸፍሎ ካሕሳ ብልክዕ ህይወት ሰብከምዝውሰን ኣገንዚቦም።
ብመሰረት ውሳነ ኣባ ገዳታት፥ ዓጋዜን ዝቐተለ ሰብ 100 ከፍቲ ንኽቕፃዕ፤ ወይ ድማ ተመጣጣኒ ካሕሳ/ጉማ ክኸፍል ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ኣብጃታ ሻላ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ቆርኬታት 1 ሺሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ።
ፍልፍል፦ ግዜኢ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!