ዓድዋ ፍልፍል ጥንካረ መንፈስን ኣርማ ቃልሲን ኣፍሪካዊያን ስለዝኾነ መተኣሳሰሪ ሓድጊና ኢዩ – ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓድዋ ብሕብሪ ዝፀንዐት ሃገር ንምፍጣር መሰረት ዘንበረን ሕዚ እውን ኣሰር ወለዶ ብምዃን ምስሊ እዛ ዓባይ ሃገር ዘርኢ ዋና ምዕራፍ ታሪኽና ኢዩ ክብል ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ግልጋሎት ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ኢትዮጵያ ማእኸል ጥንኩር ስርዓተ መንግስቲን ጥንታዊ ስልጣነን ካብ ሞንጎ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትፅራሕ ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈቶም ምዕራፋት ታሪኽ ናፅነታን ሉኣላዊነታን ንምጥሓስ ተኸታተልቲ ወረራታት ተፈፂሞምላ ኢዮም።

ይኹን እምበር ዝተፈነዉላ ወረራታትን ኲናታትን ብዘኹርዕ ተጋድሎን መስዋእትነትን ብምምካት ቀንዲል ናፅነት ዓለም ንምዃን ከምዝበቕዐት ኣብሪሁ።

“ህዝባ ናይ ካሊእ ሃገር ግዝኣት ወሪሮም ዘይፈልጡን ናይ ባዕሎም ስድሪ መሬት እንተየድፈሩ ብልዑል መስዋእትነት ሓሊፎም ኢዮም ኢሉ” መግለፂ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ።

ዓድዋ ዘይድፈር ልዕልነትን ድሌትን ባዕዳዊ ገዛእቲ ከንቱ ዝገበረ፣ ሓደ ብርኪ ታሪኽ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

“ዓድዋ ዓወትን ሓድጊናን ኢዩ” ዝበለ እቲ ግልጋሎት÷ “ዓድዋ ኩርዓት ፀለምቲ ህዝቢታት፣ ፍልፍል ጥንካረ መንፈስን ኣርማ ቃልሲን ኣፍሪካዊያን ስለዝኾነ መተኣሳሰሪ ሓድጊና ኢዩ ኢሉ፡፡

ዓድዋ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብገመድ ፍቕሪ ሃገር ዘተኣሳሰረ፣ ሉኣላዊነት ሃገር ካብ ከባቢያዊ ፍልልይ ዘቐደመ ብስራት ናፅነት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ንፀላእቲ ድማ ሕፍረት ዘጎልበበ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝፀንዐሉ እምነኹርናዕ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ፒያሳ ዝተሃነፀ ፕሮጀክት ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ እውን ዋና ኣካል እዚ ሓቂ  ከምዝኾነ ምርዳእ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

እቲ ፕሮጀክት ንዓወት ዓድዋ ብዝምጥን ብርኪ ተሃኒፁ ንምርኢት ክበቅዕ ዝኸኣለ፤ ሓበራዊ ዓወታት ብምጉላህ፣ ከፋፈልቲ ተረኻት ብዘላቕነት ብምምካን ሓበራዊ ተረኻት ክህነፁን ናብ ወለዶ ክመሓላፉን ብምግባር ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ሕውነትን ኢትዮጵያ ሱር ንኽሰድድ ኣብ ምግባር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment