ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ፍርያት ዕምበባን ኣትክልቲን (ሆርቲካልቸር) ንምድንፋዕ ዘኽእል ፖሊሲን ስትራቴጂን ከምዝተሰናድአ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ኣይ መንዳለ ሃብታሙ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ እቲ ዓውዲ ትኹረት ተገይሩሉ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ከምዝተዘርግሑ ገሊፆም፡፡
መንግስቲ እውን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ፀገማት ብምፍላይ ዘሎ ዓቕሚ ሃፍቲ ንምጥቃም ዝሕግዝ ንባዕሉ ዝምረሐሉ ውዳበ ከምዝዘርገሐ ገሊፆም።
እቶም ዝተዘርግሑ ኣሰራርሓታት ሓረስቶት ምስ ሰብ ሃፍቲ ዘዋድዱ ከምኡ እውን ንፓርኪታት ኢንዱስትሪ ሕርሻ ሰፊሕ እታወት ንምቕራብ ዝሕግዙ፣ ሸርፊ ወፃኢን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዘዕብዩን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
ዋና ዳይሬክተር ማሕበር ኣፍረይቲን ለኣኽቲን ሆርቲካልቸር ኢትዮጵያ ኣይተ ቴዎድሮስ ዘውዱ ብግደኦም፥ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ዝበረታታዕ ውፅኢት እናምፅኡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።
ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ካብ ፍርያት ዕምበባን ኣትክልቲን 485 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ዝተረፈ ሓደ ወርሒ ሓዊሱ ኣብዚ ዓመት 525 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ክርከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብዙፋን ካሳሁን
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።