ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስተለቐቐ ኣብ ሒደት መዓልቲታት ኣብ መላእ ዓለም ተቐባልነት እናረኸበ ዝመፅአ ሓጋዚ መተግበሪ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ቻይና ዝኾነ ዲፕሲክ መጥቀዕቲ ሳይበር ከምዘጋጠሞ ተሓቢሩ፡፡
ዲፕሲክ ንቻትጂፒት (ChatGPT) ኣሜሪካ ዝነሓናሕን ተደላይነቱ እናዓበየ ከምዝርከብን እንትኸውን ኣብ ዝተመዝገበ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ልዑል ዝተብሃለ መጥቃዕቲ ሳይበር ኣጋጢሙዎ ተባሂሉ፡፡
ነዚ ስዒቡ ዲፕሲክ ብጊዜያዊነት ሓደሽቲ ተጠቀምቲ ምቕባል ጠጠው ካብ ምባል ሓሊፉ ካልኦት ተጠቀምቲ ምጥቃሞም ከምዘይተኣጓሉ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ኣፕ ስቶር ኣሜሪካን ጎግል ስቶርን ብናፃ ካብ ዝርከቡ መተግበሪታት ልዑል ተፈታውነት ከምዝረኸበ ተገሊፁ፡፡
ዲፕሲክ ዘጋጠሞ መጥቃዕቲ ሳይበር ካብ መን ከምዝኾነ ብግልፂ ዘይፍለጥ ይኹን እመበር ካብ ተናሓናሕቱ ክኸውን ከምዝኽእል ዘጋርዲያን ፀብፂቡ፡፡