ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽን ንምዕባይ ስታርትኣፕን ስትራይድ ኢትዮጵያን ዕዙዝ ግደ ይፃወቱ ኣለዉ – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽን ንምዕባይ ስታርትኣፕን ስትራይድ ኢትዮጵያን ዕዙዝ ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን አብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ ኣካላት ውልቀን መንግስቲን ብስሩዕኩነታት ዘራኽብ ማዕቐፍ ንምፍጣር ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ኣሰናዲኡ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዓውዲ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝተዋፈሩ ማሕበራት፣ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን መንግስታዊን ውልቀን ትካላት ተረኺቦም።

በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ÷ ኣብ ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝተዋፈረ ውልቀ ትካላት ዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ማሕበራት እቲ ዓውዲ፣ ትካላት ውልቀን መንግስቲን ዘራኽብ ማዕቐፍ ምፍጣር ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እተ ዓውዲ ንምዕባይ መንግስቲ፣ ውልቀ ዘፈር፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ማሕበራት እቲ ዓውዲ መሓዙት ልምዓትን ተዋዲዶም ክሰርሒ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ዓውዲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽን ንምዕባይ ስታርትኣፕን ስትራይድ ኢትዮጵያን ዕዙዝ ግደ እናተፃወቱ ከምዝኾኑ ምግላፆም እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment