ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓውዲ ሕርሻ ካብ መፍረዪ ኢንዲስትሪ፣ ንግዲ ወፃእን ዜጋታትን እናዓበየ ዝመፀ ድሌት ንምምላእ ሰፊሕ ስራሕ ትፅቢት ይግበሮ ክብሉ ኣይተ ዑመር ሑሴን ገሊፆም፡፡
ሚኒስትሪ ሕርሻ ምስ ቢሮ ሕርሻ ክልል ብምዃን ኣብ ኣፈፃፅማ ዝተዛዘመ በጀት ዓመትን ትልሚ 2015 ዘተ የካይድ ኣሎ።
ነቲ መድረኽ ዝኸፈትዎ ሚኒስተር ሕርሻ ፌዴሪኢ ኣይተ ዑመር ሑሴን፥ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ዝነበረ ኣፈፃፀማ ፅቡቕ ዝበሃል ውፅኢት ዋላ ይመዝገብ፥ እቲ ዓውዲ ብኢንደስትሪ፣ ብመግቢ ስድራን ንግዲ ወፃእን እናዓበየ ዝመፀ ድሌት ንምምላሰ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ሰፊሕ ስራሕ ከምዝፅበዮ እዮም ዝተዛረቡ።
ኣይተ ዑመር፥ ብስራሕቲ መስኖ ሓጋይ ብፍላይ ብስርናይን ሕርሻ ዕምበባን ፣ኣብ ፍርያት ቀውዒ 90 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ከሳኽዕ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።ኣብ 2014 ካብ ንግዲ ወፃኢ ካብ ዝተረኸበ ኣታዊ ቡን ቀዳማይ ግደ ምሓዙ እቶም ሚኒስተር ኣልዒሎም።
ኣብ ዝተዛመ በጀት ዓመት ካብ ዝተተለመ 374 ሚሊየን ኩንታል ፍርያት ቀውዒ 336 ሚሊየን ኩንታል ምርካቡ እውን ገሊፆም።
ብዘፈር ሜካናይዜሽን ቅድም ክብል ኣብ ውስናት ክልላት ጥራሕ ተደሪቱ ዝነበረ ናብ ኩለን ክልላት ናይ ምብፃሕ ስራሕ ይስራሕ ምህላዉ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ዘተ ሎሚ እውን ቀፂሉ ካብ ክልላት ኣብ ዝተመረፁ ፈተናታት ትኹረት ብምግባር ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014 ኣብ ቀፃሊ ኣንፈትን ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።