ዓውደ ምርኢት “ዲፕሎማሲና ንብሄራዊ ረብሓና” ፅባሕ ብዕሊ ክኽፈት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ዲፕሎማሲና ንብሄራዊ ረብሓና” ብዝብል ዝካየድ ሰሙን ዓውደ ምርኢት ዲፕሎማሲ ፅባሕ ብዕሊ ከምዝኽፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር መለስ ኣለም (ዶ/ር) እቲ ዓውደ ምርኢት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃዎ መብርሂ፤ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንኽኽበር ተሳትፎ ኩሉ ሕብረተሰብ ክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣምባሳደር መለስ (ዶ/ር)÷ “ዲፕሎማሲና ካብ መዲና ኣፍሪካ ክሳብ ዓለም ለኸ መድረኽ” ብዝብል ስያመ ኣብ ዝካየድ ዓውደ-ምርኢት ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮኑ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኤምባሲታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ዓለም ለኸ ትካላት ከምኡ እውን መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ክሳተፉ ኢዮም” ኢሎም፡፡

ግዚኡ ዝበፅሖ ኣካይዳ ዲፕሎማሲ ብዲጂታል ዓውዲ እናተሓገዘ ብምዃኑ፤ ኢትዮጵያ እውን ንባዕላ እናዘመነት ከምትጓዓዝን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣምባሳደር ሃገሩ ንኽኸውን ኣብቲ ሰሙን ዲፕሎማሲ ቃል ዝኣትወሉ ከምዝኸውን እውን ገሊፆም።

ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ዝካየድ እቲ ዓውደ-ምርኢት ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ኣብ ምፅናዕ ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብታሪኩ ወልደሰንበት

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment