ዓውደ ምርኢት ዓለም ለኸ ስራሕቲ ፕሬስ ውድድር ፎቶ ኣንድሬ ስቴኒን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ፎቶ መልዐልቲ መናእሰይ ዘሳትፍ ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ስራሕቲ ፕሬስ ውድድር ፎቶ ኣንድሬ ስቴኒን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።

ዓውደ ምርኢት ውድድር ፕሬስ ፎቶ ኣንድሬ ስቴኒን ‘ራሽያ ሲጎኒያ’ ወይ እውን ‘ራሺያ ቱደይ’ ዝተሰነየ ትካል ሚዲያ ሩሲያ ዘሰናድኦ እንትኸውን÷ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መናእሰይ ፎቶ መልዐልቲ ዝሳተፉሉ ፕሮጀክት ኢዩ።

ዕድሚኦም ካብ 18 ክሳብ 33 ዝኾኑ መናእሰይ ዝሳተፉሉ ውድድር÷ ሎሚ ዘበን ንመበል 10ይ ግዘ ምዝገባ ተወዳደርቲ ብጅሊ ጀሚሩ።

ሓላፊት ዳይሬክቶሬት ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሲጎኒያ ሩሲያ ክሪስቲና ሊያክ ከምዝበለኦ÷ እቲ ውድድር ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ብዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያትን ዝተልዓሉ ስራሕቲ ፎቶግራፍ ብመርበብ ሓበሬታ ተቐብሎ ብምውድዳር ሰብ ክእለት ፎቶ መልዐልቲ መናእሰይ ዓለምና ዘበረታትዕ ኢዩ።

ኣብ ውድድራት ብተዓወትቲ ዝተሓረዩ ልዕሊ 50 ፎቶግራፋት ኣብ ኢትዮጵያ ንፈላማ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንህዝቢ ምርኢት ከምዝቐርቡ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment